Skip to main content

An: ቤት ጽሕፈት ስደት ካንቶናት ስዊዘርላንድ

ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ፓስፖርት ናይ ምርካብ ዘይምኽንያታዊ ግዴታ ደው ይበል።

Diese Kampagne wurde beendet.

እዚ ጥርዓን’ዚ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቲ ምኽንያት ስደቶም ዝኾነ ስርዓት ፓስፖርት ኣምጽኡ ዝብል ጠለብ ንኽቋረጽ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን እዩ።

ነዚ ሃገራዊ ፖስፖርት ንምውጻእ ድማ ኤርትራዊያን ምስቶም ወከልቲ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃገሮም ርክብ ክገብሩ ስለ ዘገድድ እዩ።ፖስፖርት ከውጽእ ንዝሓተተ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ካብቲ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ: እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣጸገምቲ ዝኾኑ ጠለባት ይቐርቡሎም፡-
1. "ናይ ጣዕሳ ወረቀት" ምፍራም
እዚ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃልን ካልኦት ጠለባትን እቲ መንግስቲ ዝሓተቶም ብዘይምምልኦም ንነፍሶም ገበነኛታት ምዃኖም ኣሚኖም ንዝኾነ ዝስዕብ መቕጻዕቲ ክቅበሉ ድልዋት ምዃኖም ብፌርምኦም ከረጋግጹ ምግዳድ ማለት እዩ።
2. ኣብ ደገ (ወጻኢ ሃገር) ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተመደበ ዘይሕጋዊ ግብሪ ምኽፋል:
እዚ ማለት ድማ ኤትራውያን ካብቲ ኣብ ስዊዝ ሰሪሖም ግብሪ መንግስቲ ስዊዝ ዝኸፍልዎ ኣታዊታቶም ብተወሳኺ 2% ንመንግስቲ ኤርትራ ክኸፍሉ ይግደዱ።እዚ ግብሪ እዚ ንሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝድግፍ እዩ።
3. ኣዝዩ ረቂቅን ሓደገኛን ሓበሬታ ምትሕልላፍ
እዞም ናይ ፓስፖርት ኣገልግሎት ክረኽቡ ናብ ኤምባሲ ዝቀርቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ በቲ ዝግበረሎም ቃለ-መሕትት ንኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ቤተሰቦምን ኣዕርኽቶምን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ሓበሬታ ኣሕሊፎም ክህቡ ይግደዱ።
እዚ ማለት ድማ ንዓታቶም ዝሃሲ ሓበሬታ ነቶም ዝምልከቶም ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ብምሕባር ህይወቶም ኮነ ህይወት መቅርቦም ሓደጋ ከምዝወድቅ ምግባር ማለት እዩ።

Warum ist das wichtig?

እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ?
ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ መሰል ዘይረኸቡ ኤርትራዊያን ክምርዓዉ ምስ ዝደልዩ ወይ ውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዋህቦም ናይ ግዝያዊ ተቀባልነት ደረጃ F (ኤፍ) ናብ መንበሪ ፍቃድ B (ቢ) ክቅይርዎ ምስ ዝደልዩ ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ከቅርቡ ይሕተቱ ምህላዎም እዩ።እዚ ድማ ንኤርትራውያን ከማልእዎ ዘይክእሉ ኣጸጋሚ ጠለብ እዩ።
ኣብ ሃገረ ጀርመን፣ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር፣ ነቲ "ናይ ጣዕሳ ወረቀት" ምፍራም ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወሲኑ። ብድሕርኡ እቶም ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ ጀርመን ነቲ ናይ ሃገርኩም ፖስፖርት ኣምጽኡ ዝብልዎም ዝነበሩ ጠለብ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ። ዝኾነ ሰብ ንነብሱ ክወቅስ ክግደድ የብሉን።

Links

Neuigkeiten

2023-10-24 18:51:34 +0200

500 Unterschriften erreicht

2023-06-06 11:40:05 +0200

100 Unterschriften erreicht

2023-06-05 23:08:15 +0200

50 Unterschriften erreicht

2023-06-05 21:20:39 +0200

25 Unterschriften erreicht

2023-06-04 23:01:40 +0200

10 Unterschriften erreicht